Home
Categories
EXPLORE
Comedy
Business
Technology
History
True Crime
Society & Culture
Health & Fitness
About Us
Contact Us
Copyright
© 2024 PodJoint
00:00 / 00:00
Sign in

or

Don't have an account?
Sign up
Forgot password
https://is1-ssl.mzstatic.com/image/thumb/Podcasts221/v4/f5/5b/c0/f55bc0a2-c88b-8c53-c73d-fc8c3e00e03e/mza_15580189158943663552.jpg/600x600bb.jpg
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
SBS
910 episodes
12 hours ago
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Show more...
Daily News
Society & Culture,
News
RSS
All content for SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ is the property of SBS and is served directly from their servers with no modification, redirects, or rehosting. The podcast is not affiliated with or endorsed by Podjoint in any way.
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Show more...
Daily News
Society & Culture,
News
Episodes (20/910)
SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Your guide to camping in Australia - ኣብ ኣውስትራልያ ናብ በረኻ፣ ጣሻ፣ ወጺእኩም ብምዕስካር ንምዝንጋዕን ግዜ ንምሕላፍን ክትፈልጥዎም ዘለኩም እንታይ'ዮም፧
Going camping is an incredible way to experience Australia’s great outdoors whilst also taking a break from technology and daily routines. We unpack the benefits of camping, the preparation required, the equipment you should consider taking, and how to be a considerate camper. - ካብ ገዛ ወጺኹም ንጽቡቓትን ምልኩዓትን ግዳማት/ደገታት ኣውስትራልያ ከተስተማቕርዎም እንተደሊኹም፣ ናብ ጉዕዞ ወጺእኩም ትዕስክርሉ (ካምፒንግ ትገብርሉ) ምኻድ ሓደ ትድነቕሉ ኣገባብ’ዩ። ቀስ ክትብሉ (ክትሃድኡ)፣ ምስ ተፈጥሮ ዳግማይ ክትራኸቡን ካብ መሳኹቲ ሞባይል፣ ላፕ ቶፕ፣ ኮምፒውተርን ቴሌቪዥንን ካልኦት ዕለታዊ ተግባራትኩምን ፈጺምኩም ክትእለዩ ዕድል ዝህበኩም’ዩ። ጉዕዞኹም ምቹእን ዘይርሳዕን ክትገብርዎ፣ ኣቐዲሙ መደብ ኣውጽኡ፣ ብሜላ ጠርንፉን ኣብ'ቲ ዝመረጽኩሞ ቦታ ዓስክሩን (ካምፕ ግበሩን)፣ ንሰባትን ንከባቢን ክትብሉ ድማ ሓልዮት ይሃልኹም።
Show more...
12 hours ago
10 minutes 54 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2026)
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (06 ጥሪ 2026) * ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ንክስታት ናርኮ-ቴረሪዝም ኣሜሪካ ገበነኛታት ኣይኮንናን ክብል ቃሎ ሂቦም፡ * መንግስቲ ኣውስትራልያ ኩነታት ኣብ ቨነዝወላ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ሕጋውነት ተግባራት ዩኤስ ርእይቶ ቅድሚ ምሃብ ኩሎም ሓቅታት ከረጋግጽ ይደሊ፡ * ንመጥቃዕቲ ሽበራ ቦንዳይ ግብረመልሲ ዝህቡ ሕግታት ንምሕላፍ ወርሒ ጥሪ ቅድሚ ምውድኡ ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ናብ ካንቤራ ይምለሱ፣
Show more...
17 hours ago
6 minutes 21 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026)
ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሶኑይ 5 ጥሪ 2026) * ፈለማ ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ክቐርብዩ * ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝዓበየ መጠን መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ኣዚዘ ይብል። ክልቲኦም ምስ ሓሽሽን ኣጽዋርን ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣብ ኒውዮርክ ተኸሲሶም ኣለዉ። እዚ ፍጻመ ወይ ስርሒት ብመሻርኽቲ ትራምፕ ኣድናቖት ክረክብ’ንከሎ ብብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ብሰፊሑ ተኾኒኑ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ካብ ምሕረት ግብሪ፡ ክፍሊት ሱፐርን ክሳብ ምኽፋት ሓደ ሃገራዊ ማእከል ንምቁጽጻር ሕማማት፡ ብዙሓት ምትዕርራያትን ምቅይያራትን ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓመት ክትግበሩን ክዝርግሑን'ዮም፡ 2026 ንኣውስትራልያ እንታይ ሒዛትላ መጺኣ'ላ ክንምልከቶም ኢና። * ስፖርታዊ ዓለም ክልቲኡ ማለት ዘድልዩና መረስዒታት ካብ ጸገማት ዓለም ናይ’ታ ዓመት በቲ ሓደ ወገን ናቱ ዝኾነ ብዙሕ ድራማን ምስጢርን ድማ በቲ ካልእ ፈጢሩ። ዓመተ 2025 ብመንጽር ስፖርት ከመይ ሓሊፉ ክንምልከቶ ኢና።
Show more...
1 day ago
48 minutes 7 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026)
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (5 ጥሪ 2026) * ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ፣ ፈቓድ ካብ ኮንግረስ ኣየድልን’ዩ ኔሩ ክብል ነቲ ናብ ምትሓዝ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ቨነዝወላ ዝነበረ ኒኮላስ ማዱሮ ዘምርሐ ስርሒት ሃገሩ ተኸላኺልሉ፣ * ማሕበረሰብ ቨነዝወላ ኣብ ኣውስትራልያ ንኹሎም ኣብ ደገ ዘለዉ ፈተውቶም ሰላምን ዲሞክራስን ተተስፍዮም፣ * ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንተግባር ኣሜሪካ ብትሪ ኮኒነን፣ ኣውስትራልያ ዘተን ዲሞክራስን ዕድል ክወሃቦም ትጽውዕ፣ * ኣብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኣውስትራልያ ልዑል ማዕበል ሙቐት ክህልዉ ምዃኑ መጠንቀቕታታት ተዋሂቦም፣ ኣብ’ዞም ቀረባ መዓልታት ብውሑዱ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ልዕሊ 40 oC ክበጽሑ ትንበያታት ኣለዉ፣
Show more...
1 day ago
12 minutes 23 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Drama, dreams, distraction, diversion - 2025 in sport - ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ስፖርት
The sporting universe provided both a welcome distraction from the problems of the world in 2025... as well as a whole heap of drama and intrigue of its own. Let's look back at some of the year that was. - ስፖርታዊ ዓለም፣ ክልቲኡ ማለት ተደላዩ ዝኾነ መረስዒ ካብ ጸገማት ዓለም ኣብ 2025 በቲ ሓደ ወገን፣ ናቱ ዝኾነ ብዙሕ ድራማን ምስጢርን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ፈጢሩ። ዓመተ 2025 ብመንጽር ስፖርት ከመይ ሓሊፉ ኣብ'ዚ ክንምልከቶ ኢና።
Show more...
1 day ago
10 minutes 35 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Trump says US will 'run' Venezuela after Maduro and wife seized in raid - ፕረዚደንት ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ተታሒዞም ድሕሪ ምውሳዶም ፕረዚደንት ትራምፕ ንቨነዝወላ ከነመሓድራ ኢና ይብል
US President Donald Trump says he ordered a large-scale strike on Venezuela to capture Venezuela's President Nicolás Maduro and his wife. They have been charged with drug and weapons offences in New York. The action has been praised by Mr Trump's allies, but widely condemned by many nations. - ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝዓበየ መጠን መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ኣዚዘ ይብል። ክልቲኦም ምስ ሓሽሽን ኣጽዋርን ብዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣብ ኒው ዮርክ ተኸሲሶም ኣለዉ። እዚ ፍጻመ ወይ ስርሒት ብመሻርኽቲ ትራምፕ ኣድናቖት ክረክብ’ንከሎ ብብዙሓት ካልኦት ሃገራት ግን ብሰፊሑ ተኾኒኑ።
Show more...
1 day ago
9 minutes 20 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (1 ጥሪ 2026)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት 2026 ኣብ ኣውስትራልያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ምዕቃብ ከባብን እንስሳታት ዘገዳምን ከምኡ'ውን ግሎባዊ ዓለምን ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ንቃልሲ ኣንጻር ክብሪ መነባብሮን ምውናን ኣባይቲ ዝምልከት ሓደ ዛንታቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።
Show more...
5 days ago
49 minutes 11 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ካብ'ዚ እዋን ንላዕሊ ገንዘብ ረኺበ ዘይፈልጥ ክንሰይ ኣዝዩ ዝወሓደኒ ኮይኑ ይስመዓኒ፣
ኣብ'ዞም ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ምሸታት ኔሮም ከባቢ ሰዓት 11 ድ. ቀ. ኣብ መእተዊ ገዛይ መኪናይ ደው ኣቢለ ቅድሚ ንውሽጢ ገዛ ምእታወይ ኣብ'ታ መኪና ሱቕ ኢለ ንነዊሕ ኮፍ ይብል - ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት መዓልቲ ስራሕ.... ዘፍ ኢለ። ኪንዮ ናይ ቅድሚት መስትያት ናብ ባዶሽ ኣማዕድየ እናጠመትኩ 'ክንደይ ካልኦት ኣውስትራልያውያን ከምዚ ናተይ ተመሳሳሊ ይገብሩ'ለዉ'፣ ' ኣብ'ታ መዓልቲ ንመጻምድቶም ክርእዩወን ዕድል ዘይረኸቡ፡ ከይተበራበረት ካብ ድቃሳ ንግሆ ወጋሕታ ንስራሕ ኢሎም ገዲፎማ ዝኸዱ' ... ኢለ የስተንትን። ኣብ 2023 ሰለስተ ዓይነታት ስራሕ እናሰራሕኩ 70 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይወፍር ኔረ- ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኸብኩዎ ገንዘብ ንላዕሊ እናረኸብኩ፡ ግን ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፋይናንሳዊ ወጥሪ ካብ'ዚ ንላዕሊ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። [[እዚ ትሕቶ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ካብ ዝድህስስ ናይ ዘተ መደብ SBS Insight ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ ሰባት `ከበድቲ እዋናት` ኢሎም ዝገልጽዎም (Tough Times) ዝምልከት ዝቐረበ ትሕዝቶ`ዩ። ንምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ SBS ON DEMAND ብነጻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። 👇 https://www.sbs.com.au/news/insight/article/i-have-never-earned-more-money-but-ive-never-felt-more-broke/31hheaflf
Show more...
5 days ago
7 minutes 53 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ፕረዚደንት ኤርትራ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፣ ህወሓት መጸዋዕታ ንሰብኣዊ ሓገዝን ተመዛበልቲ ዝምለሱሉ ንጹር ሰሌዳ ግዜን ኣቕሪቡ፣
ጸብጻባት ልኡኽና (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፣ * ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ዝምለሱሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብንጹር ክፍለጥን ጸዊዑ፣ * ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ "ናብ ናይ ጋህዲ ምዕራፍ ይሰጋገር ኣሎ" ክብል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ፣ * ሶማሊላንድ ፍልስጤማውያን ንምጥያስ ሓዊስካ ሰለስተ ቅድመኩነት ክትፍጽም ተሰማሚዓ ክብል ፕረዚደንት ሶማልያ ከሲሱ፣
Show more...
5 days ago
7 minutes 25 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (01 ጥሪ 2025)
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ዝናብን ንፋስን ዕንወት ኣብ ዘኸትልሉ፣ መንገድታትን ሕርሻታትን እቶም ቀንዲ ሻቕሎታተይ'ዮም ክብል ፕሪምየር'ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፡ * ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ መራሒት ባንግላደሽ ኻሊዳ ዚያ ድሕሪ ነዊሕ ሕማን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ፡ * ጠለባት ንቲኬት ዋንጫ ዓለም 2026 ክብረወሰናት ፊፋ ሰይሮም፡
Show more...
5 days ago
8 minutes 46 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
New developments and old battles: Australia's health year in 2025 - ሓደስቲ ምህዞታትን ናይ ቀደም ውግኣትን፣ ዓመተ ጥዕና ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ከመይ ሓሊፉ፧
As with most years, the health sector has been a constant source of news stories - from outbreaks of illnesses to outstanding medical research, from politics to pandemics, from injuries to infections. SBS news looks back at some of the medical stories that hit the news in 2025. - ልክዕ ከም'ቶም ዝበዝሑ ዓመታት፡ ጽላት ጥዕና ቀጻሊ ምንጪ ሓደስቲ ዛንታታት ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ - ካብ ለበዳታት ሕማማት ናብ ዝድነቕ ሕክምናዊ መጽናዕቲ፡ ካብ ፖለቲካ ናብ ለበዳ ወይ ፓንደሚክስ፡ ካብ መጉዳእታት ናብ ረኽሲታት ወይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት። እዚ ትሕዝቶ ኣብ 2025 ዜና ዝነበሩ ዛንታታት ሕክምና ክድስስ'ዩ።
Show more...
5 days ago
18 minutes 20 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Australia gears up to bring in a 2026 of hope - ኣውስትራሊያ ንዓመተ 2026 ክትቅበላ ትሸባሸብ
Sydney's iconic New Year's Eve fireworks will ring in 2026, but celebrations will look a little different this year with some police officers carrying long-arms following the Bondi terror attack. In other cities the New Year will also be welcomed with fireworks and music in many popular spots around the country. - ከተማ ሲድኒ ኣብ ዓለም ትፍለጠሉ ህቡብ ምርኢት ርችታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት፡ 2026 ምእታዋ ከበስር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ጽምብላት ናይ'ዚ ዓመት ቁሩብ ፍልይ ዝበሉ ክኾኑ'ዮም - ንመጥቃዕቲ ሽበራ ቦንዳይ ተኸቲሎም ኣባላት ፖሊስ ነዊሕ ሰደፍ ዘለዎም ብረታት ክስከሙ ስለዝኾኑ። እቶም ካልኦት ከተማታት ድማ ንሓድሽ ዓመት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብርችታትን ሙዚቃን ኣብ'ቶም ፍቱዋትን ህቡባትን ቦታታት ኣብ መላእ ሃገር ክቕበሉዋ'ዮም።
Show more...
6 days ago
6 minutes 59 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Turning points: what defined the world in 2025 - ትራምፕ፣ ፍልስጤም፣ ሱዳን፣ ነጥበ መቐይሮታት ዓለምና ኣብ 2025 ኣየኖት ህሞታት ኔሮም፧
2025 has been a huge year for geopolitics, natural disasters and a changing of the guard at the top levers of international power and influence. We look back at the key moments. - 2025 ዓባይ ዓመት ኣብ ጂኦፖሊቲክስ፡ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታትን ምቅይያር ስልጣን ኣብ ላዕለዎት መሳልላት ዓለምለኻዊ ሓይልን ጽልዋን ኮይና ትሓልፍ ኣላ። ካብ`ዚ ቀጺልና ንምልከቶም ድማ እቶም ቀንዲ ህሞታት ኔሮም።
Show more...
6 days ago
18 minutes 23 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
2025: A good year for wildlife conservation - 2025: ዕውትቲ ዓመት ኣብ ምዕቃብ እንስሳታት ዘገዳም
From former poachers now protecting endangered species to farmers adapting crops and traditions to help local wildlife, 2025 has been a brighter year for conservationists and the world's wildlife. - ካብ ሃደንቲ ነበር ሕጂ ኣብ ጥቓ ምጥፋእ ወይ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ዝሕልዉ ክሳብ ሓረስቶት ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ እንስሳታት ዘገዳም ንምሕጋዝ ዘራእቶምን ልምዶምን ዝቕይርሉ፣ 2025 ንዓቀብቲ ተፈጥሮን ናይ ዓለምና እንስሳዘገዳምን ብርህቲ ዓመት ኮይና’ያ ሓሊፋ።
Show more...
1 week ago
5 minutes 54 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ታሕሳስ 2025)
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 30 ታሕሳስ 2025) * ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ሰፊሕ-ዝርጋሐ ዘለዎ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣበጊሳ፡ * መስርሕ ምድላይ መንገዲ ኣየር ማለይዥያ በረራ MH-370፣ 10 ዓመት ወዲቓ ደሃይ ድሕሪ ምጥፋኣ ዳግማይ ተጀሚሩ፡ * ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ ኣንቶኒ ጆሹዋ ክልተ ሰባት ኣብ ዝቐተለ ሓደጋ መኪና ቀሊል መጉዳእቲ ወሪድዎ፡
Show more...
1 week ago
6 minutes 2 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንደብዳብ ኣሜሪካ ኣብ ናይጀርያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ግሎባዊ ዓለም ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ኣተሓሕዛናን ኣመጋግባናን ንፌስታ ኣብ ንቕርቦም መግቢታት ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝምልስ ትሕዝቶን ቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።
Show more...
1 week ago
49 minutes 5 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025)
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025) ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ንንጥፈታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት-ሲድኒ ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ጸጥታ ክውሰዱ’ዮም፣ * ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስን ወተሃደራትን ክህልዉ ሰባት ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም ክብል ፕሪምየር’ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፣ * ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ንታይዋን ኣናዊጽዋ፣ * መንግስቲ ሶማልያ ዘይሕጋውን መጥቃዕቲ ኣብ ሉኣላውነተይ’ዩ ብምባል ንኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኮኒኑ፣
Show more...
1 week ago
10 minutes 33 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Got a lot on your plate? Food poisoning can sleigh the Christmas spirit, experts warn - በዓላት ኮይኑ ንፌስታ ዝቐረብናዮ መግቢ ክዕንግለና`ምበር ክምርዘና የብሉን
There can be a lot on our plates at this time of year - and our meals can come with a side of sickness. The Australian Food Safety Information Council has released its top tips for how to enjoy the season safely - aiming to reduce more than four and a half million* [[4.67M]] cases of food poisoning each year. - በብዓይነቱ መግቢ ንፌስታ ክትቋደስዎ ክትምድቡ እንከለኹም ገለ ምኽርታት ምናልባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ምኽንያቱ እቶም ንቕርቦም መግብታት ኣብ'ዚ እዋን ኣብ መኣድና ብዙሓት ይኾኑ'ሞ ኣብ ገለ ክፋሉ ሕማም የምጽኡልና።
Show more...
1 week ago
7 minutes 32 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ይቃወሞ (ኤርትራ)፣ ኣብ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ጥሜት "ውድቀትና ዘምጽኦ እዩ" (ፕረዚደንት ክልል ትግራይ)
ጸብጻባት ልኡኽና (29 ታሕሳስ 2025) * ኤርትራ ምስ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ምትሕብባር ወደብ በጺሓ ዝብል ሓበሬታ ውዱቕ ገይራ፣ * ኣብ ትግራይ 5 ህፃናት ብካርቦን ፈሓም ተዓፊኖም ሞይቶም፣ * ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ኣብ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ጥሜት ውድቀትና ዘምጽኦ’ዩ ብምባል ኣመራርሓ’ቲ ክልል ናይ ፖሎቲካን ቢዝነስን ሸቀጥ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፉ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ሂወት ኣድሕን ክነጥፍ ጸዊዑ፣ * ኤርትራ ንሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን ኪጥጃእ ዝጸንሐ’ዩ ብምባል ንኣፍልጦ ሶማሊላንድ ተቓውሞኣ ገሊጻ፣
Show more...
1 week ago
6 minutes 59 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Trump says he ordered strikes against IS in Nigeria - ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣይኤስ ኣብ ናይጀርያ መጥቃዕቲ ኣየር ክካየዱ ኣዚዘ ይብል
President Donald Trump says the United States has launched a 'powerful and deadly' strike against IS in north-western Nigeria. Mr Trump described those killed as 'terrorist scum' who had been targeting and killing primarily innocent Christians. - ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ሓያልን ቀታልን መጥቃዕቲ ኣየር ኣንጻር ኣይኤስ (IS) ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ናይጀርያ ኣበጊሳ’ላ ይብል። ንሱ ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብቀንዱ ንኣመንቲ ክርስትና ዒላማ ክገብሩን ክቐትሉን ዝጸንሑ ‘መታለልቲ ግብረሽበራውያን’ ክብል ገሊጽዎም።
Show more...
1 week ago
4 minutes 6 seconds

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።